ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ከተማታት ኣመሪካን ካናዳን ምስ ኢትዮጵያውያን ዲያስፖራ ንምዝርራብ ኣኼባታት ከካይዱ`ዮም

  • በትረ ስልጣን
ተቃወምቲ ድማ ኣንጻር`ቲ ኣኼባ ሰልፊ ንምክያድ ተቐሪብና ኣለና ይብሉ ኣለው

መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ‘ዚ ቀረባ ንዝተግበሮ ውጥን ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን ምስ ኢትዮዽያውያንን ኢትዮዽያዊ ዝመቦቆሎምን ዳያስፖራ ንምልላይ ኣብ 14 ከተማታትታት ዩ-ስን ካናዳን ህዝባዊ ኣኼባ ንፅባሕ ቀዳምን ሰንበትን ፀዊዑ‘ሎ።ተቃወምቲ‘ውን ነቲ ኣኼባ ንምቅዋም ተቀሪብና‘ለና ይብሉ።በትረ ስልጣን ካብ ኤምባሲ ኢትዮዽያ ንኣቶ ወሃደ በላይ፣ካብ ተቃወምቲ ድማ ንኣቶ ነጋሲ በየነ ኣዘራሪቡ‘ሎ።

ኣቶ ወሃደ በላይ ኣብ ዘረበኦም፣ካብ ኢትዮዽያ ተዓዲሞም ዝመፁ ኣጋይሽ ናብ 14 ከተማታት ተላኢኾም‘ለው፣እቲ ህዝባዊ ኣኼባ ንምጅማር ዘኽእል ቅድመ ምቅርራብ ተዛዚሙ‘ሎ ኢሎም።ብዛዕባ መሰል ዜጋታት ክምልሱ ከለው ድማ ኣብ ኢትዮዽያ ተቃወምቲ ብፖለቲካዊ ፓርታታት ተወዲቦም ዝተዓወቱ ስልጣን ዝሕዝሉ፣ዝተሳዕሩ ድማ ተቃወምቲ ኮይኖም ዝቅፅሉ ባይታ ኣሎ።

ነቲ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣብ ዩ-ስን ካናዳን ዝሳለጥ ኣኼባ መንግስቲ ኢትዮዽያ ካብ ዝቃወሙ ሓደ ኣቶ ነጋሲ በየነ ኣብ ኢትዮዽያ ፍትሒ የለን፣ ዴሞክራስያዊ መሰላት ዜጋታት ኣይተረጋገፀን፣ህዝባዊ መንግስቲ ክሳብ ዝቀውም ከም‘ዚ ናይ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣኼባ ምዕባለ ኢልካ ዘረባ ተቀባልነት የብሉን ይብል።ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ብዛዕባ ግድብ ኣባይ ምዝራብ‘ውን እንተኾነ ዕላምኡ ህዝቢ ኢትዮዽያ ከም‘ቲ ናይ ሰሜን ኣፍሪቃን ሃገራት ዓረብን ዝኣምሰለ ህዝባዊ ዓመፅ መእንታን ንከየላዕል ትኹረት ንምቅያር‘ዩ ኢሉ።