ናይ እምነት ናጽነት ብመንግስቲ ክውሃብን ክኽላእን ዘለዎ ጉዳይ ስለዘይኮነ፡ በመሰረት`ቲ ህዝቢ ዘጽደቖ ቅዋም፡ መንግስቲ ካብ ሃይማኖት ኢዱ ከውጽእ ኣለዎ`ውን ኢሎም
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰንሰናቲ ኦሃዮ ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ዶ/ር ሃብቱ ገብረኣብ(ቀሺ ኣትናቴዎስ) ብዛዕባ`ቲ ሚንስትሪ ወጻኢ U.S ዘውጽኦ ዓመታዊ ጽብጻብ ናጽነት ሃይማኖት ብዝምልከት ብተወልደ ወልደገብሬል ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡ ካብ ፓትሪያርክ ኣንቶንዮስ ጀሚርካ ክሳብ መራሕቲ ንኡሳን እምነታት ብዙሓት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ`ለዉ ኢሎም።
ቀሺ ኣትናቴዎስ፡ U.S ከም ኣማሓዳሪ ቤተክርስትያን ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ ኣቶ ይፍታሐ ዲመጥሮስ ዝበሉ ፍሉያት ውልቀሰባት ማዕቀብ ክትገብረሎም ሕቶ ከምዝቐረበ ብምዝኽኻር፡ ከምዝግባእ`ውን ጠቒሶም።
ንምሉእ ትሕዝቶ`ቲ ቃለመጠይቕ ንምስማዕ፡ ንምልክት ድምጺ ጠውቑ።