ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ምሕዝነትን ናብራ ስደትን

Your browser doesn’t support HTML5

ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ፖላንድ ርእሰ ኸተማ ቫርሻቫ ዝነበራን ምስ ደቂ እቲ ዓዲ ሓዳር ጌረን ነፍሲ ወከፈን ክልተ ቆልዑ ዝወለዳን ክልተ ኣዴታት ወ/ሮ ለምለም ሓጎስን ወ/ሮ ሰናይት ተወልደ መድህንን ይበሃላ። እዘን ክልተ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ቕድሚ ነዊሕ ዓመታት ናብ ፖላንድ ዝመጻ ኣዴታት ብዘይ'ቲ ናብረኣን ንምምራሕ ዝሰርሕኦ ስርሓት ኣብ ምሕጋዝ ስደተኛታት ይነጥፋ። ናብ ፖላንድ ዝኣቱ ስደተኛ ሽመን ዘይፈልጦ የለን።