ኢራንን ስዑድ ዓረብን ብብዝሒ መቕጻዕቲ ሞት ኣብ መሪሕነት ከምዝርከባ ኣምንስቲ ገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ 2022 ዝተመዝገቡ ብዝሒ መቕፃዕቲታት ሞት ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ዝተፈፀሙ ዝበዝሑ ምዃኖም ዓለምለኸ ትካል ተሓላቂ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ገሊፁ። እቲ ትካል ኣብ 20 ሃገራት 883 መቕፃዕቲታት ሞት ምፍፃሞምን እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ክነጻጸር ከሎ ብ53% ምውሳኹ ብምሕባር እዚ ነታ ቁፅራዊ ፀብፃባታ ብሚስጥር እትሕዝ ቻይና ከይሓወሰ ምዃኑ ይግለጽ።