ዋሽንግተን —
ብሰንኪ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ዘጋጠመ ሓያል ውሕጅ ኣብ ከሰላ ተዓቑቦም ዘለው ግዳያት ህጹጽ ረድኤት ከም ዘድልዮም ሰበ-ስልጣን`ታ ከተማ ይምሕጸኑ ኣለዉ። ኣብ ሱዳን ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ብዘጋጠመ ዝናብ ብፍላይ ኣብ ሰሜንን ምብራቓውን ከባብታት ብዘስዓቦ ውሕጅ ሞት ኣስዒቡ`ሎ።
ብመሰረት ሓበሬታ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ሱዳን ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ኣቡ-ሓማድ ጥራይ 34 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።
ሰበ-ስልጣን ከሰላ ኣሸሓት ሰባት በቲ ውሕጅ ከም ዝተተንከፉ ብምግላጽ ህጹጽ ረድኤት ከም ዘድልዮም ይምሕጸኑ ኣለዉ።
ኣብ ሱዳን ብዘሎ ኵናት እቲ ናይ ሎሚ ዓመት ሓያል ዝናብ ዝኸፍአ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ይእመን። ኣብ ዶብ ግብጺ ኣብ ትርከብ ወዲ-ሓልፋ ዝተባህለት ቦታ፡ ኣስታት 3- ሺሕ ኣባይቲን ትካላት ጥዕናን ከም ዝተሃሰዩ ይግለጽ ኣሎ።
ኣብ ከሰላ ዝተዛረበ ሽሙ ክገልጽ ዘይደለየ ሓደ ዶክተር ድማ ብፍላይ ኣብ ቆልዑት ሕማም ኮሌራ ክርኣይ ከም ዝጀመረ ሓቢሩ`ሎ።