ድሕሪ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ 11 መስከረም 2001፡ ኣብ ኣመሪካ ዝኸፍአ ሓደጋ ነፈርቲ ምዃኑ ዝተገልጸ ናይ ረቡዕ ምሸት ግጭት ነፈርቲ፡ ንክፍሊ መጓዓዝያ ኣየር ኣመሪካ ኣብ ሻቕሎትን ዓቢ መርመራን ሸሚሙዎ ኣሎ ይብል ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ። ኣብ ክልተ እተን ዝተጋጨዋ ነፈርቲ ዝነበሩ 67 ሰባት ዝቐተለ ሓደጋ፡ እቲ ዝዓበየ ስራሕ ኰይኑ ዘሎ ጠንቁ ንምምርማር’ዩ።
ድሕሪ’ቲ ምግጫው እተን ነፈርቲ ናብ ፈለግ ፖቶማክ’የን ጥሒለን። ብህይወት ዝወጽአ ሰብ የሎን። መስርሕ ድልያ ሬሳታት ግን ገና ቀጻሊ’ዩ ዘሎ። እንተዀነ 28 ካብቶም ጠቕላላ 67 ጥራይ’ዩ ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ።
ሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ኣመሪካ ጆን ዶልይ“እቲ ቀንዲ ስራሕ ብህይወት ንዘለዉ ንምርካብ ዘይኰነስ ሬሳታት ንምውጻእ ጥራይ’ዩ ዘሎ፡” ይብል።
እቲ ሰዓት 9፡00 ምሸት ብኣቆጻጽራ ዋሺንግተን ዲሲ ዘጋጠመ ግጭት ክልተ ነፈርቲ ካብ መንግስታዊ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣስታት 3 ማይላት ወይ ድማ ትሕቲ 5 ኪሎሜትር ኣብ ዝረሓቐ ሃገራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ሬገን’ዩ ኣጋጢሙ።
ሕጂ እቲ ዝዓበየ ስራሕ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ንምጽራይ’ዩ። ትካል ሃገራዊ ድሕነት መጓዓዝያ ኣመሪካ ንመኸዘኒ ድምጺ ይምርምሮ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ኣብ መሬት ዝህሉ ተቖጻጻሪ ኣየር፡ ነተን ዝዓልባን ዝነቕላን ነፈርቲ ዘወሃህድ’ዩ። እዚ ብኽልተ ሰባት ዝዕየ ስራሕ’ዩ። እንተዀነ ኣብ እዋን እቲ ሓደጋ ሓደ ሰብ ጥራይ ምንባሩ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣሶሸይትድ ፕረስ ከም ዝሕብሮ፡ ሰዓታት በረራ ኣብ ዝውሕደሉ እዋን፡ ብሓደ ሰብ ዝምራሕሉ ግዜ ልሙድ’ዩ።
ነታ ሀሊክፕተር ዝመርሑ ምኩራት ዘወርቲ ምንባሮም ሚኒስትሪ ምክልኻል ይገልጽ። ኣብቲ ከባቢ ደጋጊሞም ምብራሮም ድማ ይሕብሩ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን እቲ ጥፍኣት ኣብ ምቍጽጻር ትራፊክ ኣየር ምዃኑ’ዩ ገሊጹ። ፕረዚደንት ኣብ መግለጺኡ፡ ዋላ’ኳ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ መርመራ ይካየድ ከም ዘሎ እንተ ገለጸ፡ ቀንዲ ተሓትተቲ ግን ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ምዃኑ’ዩ ይጠቅስ። “ንብዙሕነት ኢሎም ብቕዓት ዘይብሎምን ዝሕታለ ዕብየት ኣእምሮ ዘርእዩን ሰራሕተኛታት ክቝጸሩ ስለ ዝጸንሑ’ዩ እዚ ዘጋጥም ዘሎ፡” ኢሉ።
ድሒሩ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ፡ እታ ንምዕላብ እትቀራረብ ዝነበረት ነፋሪት መጓዓዝያ፡ ሃንደበት’ያ ኣብ ልዕሊ’ቲ ፈለግ ፖቶማክ ምስ በጽሐት ናይ ኣንፈት ምጥፋእን መስመር ምስሓትን ምልክታት ኣርእያ።
ትካል ሃገራዊ ድሕነት መጓዓዝያ ኣመሪካ፡ ንጠንቂ እቲ ሓደጋ ንምጽራይ ኵሉ ዝከኣሎ ክግበር ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ። ነዚ ሓደጋ ክመርሕ ዝኽእል ኵሉ ተኽእሎታት ካብ ዝደቐቐ ኣካላትን መራኸቢታትን እተን ነፈርቲ፡ ክሳብ ኵሉ ርክባትን መልእኽታትን እቶም ንበረራ ዝቆጻጸሩ ኣካላትን ክግበር ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ውጽኢት መርመራ መዓስ ከም ዝዛዘም እቲ ትካል ዛጊት ኣይገለጸን። እንተዀነ ኣብ ከምዚ ዝመስል ዝተሓላለኸ ጉዳያት ኵሉ መርመራታት ተጻፊፉ ናብ ህዝቢ ወግዓዊ ክሳብ ዝኸውን ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ዓመት ክወስድ ከም ዝኽእል ኣሶሸይትድ ፕረስ ይጠቅስ። እዚ ምሉእ ዝርዝር ናይቲ ተፍትሽ ኰይኑ፡ ኣፈናዊ ውጽኢት ግን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ክንገር ተኽእሎ ኣሎ።
ዛጊት ተበጺሑ ብዘሎ መርመራ፡ ውሑዳት ደቓይቕ ቅድሚ’ቲ ሓደጋ፡ ምቍጽጻር ትራፊክ ኣየር፡ ነታ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ኣብቲ ዝሓጸረ መዕለቢ ክትወርድ ኣመልኪቶምላ ነይሮም። ብተመሳሳሊ 30 ካልኢት ቅድሚ’ቲ ሓደጋ ናይ መሬት ተቖጻጻሪ ንመራሒ ሀሊኮፕተር እቲ ኣከባቢ ብንጹር ይርኣዮ እንተሎ ተወኪሶሞ ነይሮም። እንተዀነ ካብ ኣባላት በረራ ኣብ ቅድሚኦም ነፋሪት ይርእዩ ከም ዘለዉ ሓቢሮም። ኣይጸንሐን እቲ ሓደጋ ምግጫው ኣጋጢሙ።