ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝፍጸም ኣሎ ንዝበልዎ ጥሕሰት ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተኻይዱ

ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ከባቢኣን ዝነብሩ ትውልደ-ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ይፍፀም’ሎ ዝበልዎ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን በደልን በብመዓልቱ እናበኣሰ ይኸይድ ኣሎ ብምባል ትማሊ ሰንበት ኣብ ፊትንፊት ዋይት ሃውስ ተቃውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣተሓባበርቲ’ቲ ሰልፊ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ዕላማ’ዚ ተቃውሞ ሰልፊ ነዚ የጋጥም ኣሎ ዝበልዎ በደል ነቶም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብገንዘብ ዝድግፉ ዓለም-ለኸ ኣካላት ንምፍላጥ’ዩ። እቶም ሰልፈኛታት እቲ ምግሃሳት መሰላት ብህፁፅ ጠጠው ክብልን ረድኤት ንዘድልዮም ከኣ ብህፁፅ ክበፅሓሎምን ንምሕታትን’ውን ምኻኑ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲን ዕጡቅ ጉጅለ ፋኖን ውግእ ካብ ዝጅመር ልዕሊ ዓመት ኮይንዎ’ሎ።

ሰበ-ስልጣን’ቲ ክልል ነቲ ጉጅለ ሰላም ዝዘርግን ስልጣን ብሓይሊ ንምምንዛዕ ዝደልን’ዩ ክብሉ ብተደጋጋሚ ገሊፆም’ዮም።

ብዛዕባ’ዚ ተቃውሞ ስልፊ ምላሽ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን ።