ፕረ. ትራምፕ ንዘይሕጋዊያን ስደተኛታት መጽለሊ ዝህብ ፕሮግራም ዳካ ደው ክብል ወሲኖም

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቶም 800 ሽሕ መንበሪ ወረቐት ዘይብሎም ቆልዑን ብቁልዕነቶም ዝመፁ መንእሰያትን ሓለዋ ንክግበረሎም ዘኽአል ዝነበረ ትእዛዝ ንክላዓል ዘግድድ ስጉምቲ ወሲዶም።

እዞም ቆልዑን ብቁልዕለቶም ዝመፁን መንእሰያትን ብወለዶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኣሜሪካ ዝኣተው ቆልዑ’ዮም። ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ነዞም ቆልዕን መንእሰያትን ካብ ምጥርዝ ዑቁባ ኾይንዎም ዝፀንሓ ዳካ ብዝብል ምህፃረ ቃል-ዝፍለጥ ትእዛዝንኽለዕል ዝወስውኑ ፕረዚደንት ትራምጵ ግን ኮንግረስ ክፀንሑ ዝደልዮም እንተኾይኑ ኣብ ውሽጢ 6-ኣዋርሕ ክውሰን ግዜ ሂቦም’ለዉ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ውሳነኦም ድሕሪ ምፅዳቆም ፣ ኣብ ክንደኦም ዋና ዓቃቢ ሕጊ ጄፍ ሰሽን ኣብ ቅድሚ ካሜራ መብርሂ ንክህቡ ኣዋፊሮም’ዮም።

"ደሓንዶ ሓዲርኩም። ሎሚ ነቲ ዳካ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ኦባማ ዝተተግበረ ፕሮግራም ንኽለዓል ምውሳኑ ንምግላፅ ኣብዚ ኣብ ቅድሜኹም ዘለኹ። ቡአትዕዮ ፍትሒ ነቶም ፕረዚደንትን ንቤት ዕዮ ድሕነት ሃገራን ኣዚ ፕሮግራም ጥራይ ዘይኾነስ እቲ ፕሮግራም ንኽትግበር ንዝተህበ ናይ ፅሕፍ ትእዛዝ’ውን ክስረዝ ምኽሪ ሂቡ’ዩ። "

ፕሮግራም ዳካ ማለት ኣብ ኣሜሪካ ተማሂርካ ናይ ምምሕያሽ ራኢ ንዘለዎም ራኢኦም ንኽትግብሩ ነቶም ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ዩናይትድ ሴተይትስ ዝመፁ ቆልዑን ኣብዝኣሜሪካ ዝዓበዩን ምንእሰያት ዕድል ንምሃብ ዝብፕረዚደንት ኦባማ ዝተዋህበ ትእዛዝ’ዩ ኔሩ።

ትራምፕ ነዚ ብፕረዚደንት ኦባማ ዝወፀን ዝተተግበረን ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ’ዮም ቀልቢሶምዎ።

እቶም ወረቐት ዘይጸንሖም ቆልዑ ንመብዛሕትኡ ዕድሚኦም ኣብ ኣሜሪካ’ዮም ኣሕሊፎምዎ፣ ሎሚ ግን ናይ ጊዜ ጉዳይ’ምበር ካብ ዝመጽእ መጋቢት ጀሚሩ ክጥረዙ ይኽእሉ’ዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረ. ትራምፕ ንዘይሕጋዊያን ስደተኛታት መጽለሊ ዝህብ ፕሮግራም ዳካ ደው ክብል ወሲኖም