ኤርትራዊ ስደተኛ ካብ ዳባት ተጨውዩ፣ ክሳብ ቅትለት ዝኸይድ ምክልባት ከም ዘሎ ነበርቲ ይዛረቡ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ሰሜን ጎንደር፡ ወረዳ ዳባት፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተጨውየ ወዲ 12 ዓመት ኤርትራዊ ህፃን ንምልቃቕ፡ 400-ሽሕ ብር ከም ዝተሓተቱ ወላዲኡ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም። ነቲ ዝተባህሉዎ ገንዝብ ንምእካብ ኣብ ልመና ተዋፊሮም ከም ዝርከቡ እቶም ኣቦ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ካልኦት ነበርቲ እቲ መዓስከር ግን ክሳብ ቅትለት ዝኸይድ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከም ዝወርዶም ይገልፁ።