ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2024፡ ሎሚ ሓሙስ 13 ሰነ፡ ኣብ ማይ ድምነት ከባቢ ቤት ገርግሽ ብዝተኻየደ ናይ ክሮኖ ሜተር(ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር) ኣብ ዝጀመረሉ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ክለብ ሊድል ትረክ ኣማኑኤል ገብረእግዚብሄር ዝቐልጠፈ ተቐዳዳማይ ብምዃን ተዓዊቱ።
ኣማኑኤል ንዝተሰርዐ ናይ 36 ኪ.ሜ ርሕቐት ብ43 ደቃይቕ 32 ሰከንድ ብምዝዛም’ዩ ተዓዊቱ። በዚ ድማ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክብሩ ብምዕቃብ ዓወቱ ኣውሒሱ'ሎ።ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስታና ሄኖክ ምሉእብርሃን ብ23 ሰከንድ ድሒሩ ካልኣይ፡ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ክለብ ኢንተርማርች ቢንያም ግርማይ ድማ ብሓደ ደቂቕን 10 ሰከንድን ድሒሩ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ፈጺሞም።
ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ጋንታ ቲ.ኤስ.ጂ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ብሽክለታኡ ብዘጋጠመ ጸገም ውድድሩ ኣቋሪጹ።
ኣብዚ ናይ ዓበይቲ ናይ ግዜ ውድድር ካብ ዝተሳተፉ 11 ተቐዳደምት እቶም ሸሞንተ ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ እዮም ነይሮም።
ኣብ ተመሳሳሊ ርሕቐት ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ፡ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ክለብ ሲ.ኣር.ቲ ኣኽሊሉ ኣራፋይነ ቻምፕዮን ኮይኑ። ሳሚኤል ሓየሎም ካብ ኤሪተል፡ ኤስርም ተስፋይ ብውልቂ ካልኣይን ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣብ’ቲ ናይ 18 ኪ.ሜ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋቲት ኣባል ጋንታ ደንደን ኣድያም ዳዊት ንውድድራ ብ26 ደቓይቕን 37 ሰከንድ ብምዝዛም፡ ኣብ ክልቲኡ ምድብ ቻምፕዮን ብምዃን ድርብ ዓወት ከተመዝግብ ከላ፡ ሚለና ያፌትን ሱዛና ፍስሃየን ኣብ ክልቲኡ ምድብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን ውድድረን ዛዚመን ኣለዋ።
ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዘካየድዎ ናይ 18 ኪ.ሜ ውድድር ናሆም ኤፍሬም፡ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጁንየር ናይ 15 ኪ.ሜ ውድድር ድማ ኣድያም ኢሳቕ ቻምፕዮን ኮይኖም።
ብዘይካ’ዚ ሎሚ ዓመት ንፈለማ እዋን፡ ናይ ትሕቲ ብርኪ፡ ናይ ልዕሊ ብርኪ ከምኡ’ውን ናይ ዓንድ ሕቖን ኢድን ስንክልና ዘለዎም ተቐዳደምቲ ኣብ ሰለስተ ምድብ ተኸፋፊሎም ናይ ሓሙሽተ፡ ዓሰርተን 15 ኪ.ሜ ውድድር ኣካይዶም።
ቀዳም 15 ሰነ 2024፡ 173.4 ኪ.ሜ ዝሽፍን ናይ ጽርግያ ውድድር ክካየድ እዩ።