ጭራ ዋጣ እናሰርሐ ዘከፋፍል - ተኽሊት ሊላይ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኣመሪካ ኮሎምቦስ ኦሃዮ ዝቕመጥ ኤርትራዊ ስነ-ጥበበኛ ተኽሊት ሊላይ ሃብተገርግስ፥ ኣብ ዓዲ ከሎ ዘጥርዮ ፍቕሪ ጭራ ዋጣ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ምስመጸ'ውን ብዕቱብ ብምሓዝ እናማዕበሎ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ብዙሕ ባህላዊ መርዓታትን ውራያትን ጭራ ዋጣ ዝጻወት ተኽሊት፥ ዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ ጭራ ዋጣ ባዕሉ ብምስራሕ፡ ናብ ዓማዊል እውን የከፋፍል።