“ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብዙሕ ክፍተታት ኣለዎ፡” ፀብፃብ ሲቪል ማሕብረሰብ ኣፍሪቃ

Your browser doesn’t support HTML5

“ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብዙሕ ክፍተታት ኣለዎ፡” ፀብፃብ ሲቪል ማሕብረሰብ ኣፍሪቃ

እቲ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኣብ ተግባር ዝረኣዩ ዘለው ፀገማት እንተ ዘይተኣልዮም፡ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ እዩ ክብል ብትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኣፍሪቃ ዝወፀ ሓዱሽ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።

ካብቶም ትካላት ሓደ ናይ ዝኾነ ኣትሮሲቲስ ዋች ኣፍሪቃ ዋና ዳይሬክተር ዲስማስ ንኩንዳ፡ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብዝሃቡዎ መብርሂ፡ ኣብ ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕ ሰላም ፀገማት ከም ዝረኣዩ ብምሕባር ካብ መንጎኦም ድማ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ክልል ትግራይ ዘይምውፃእ፡ ጉዳይ ተመዛበልቲ ዘላቒ ፍታሕ ዘይምርካቡ፡ ዘሰሓሕቡ ከባብታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ፍታሕ ዘይምርካቦምን ካልኦትን ከምዝኾኑ ገሊፆም። ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንኽሰፍን ሕብረት ኣፍሪቃ ንምሉእ ትግበራ እቲ ስምምዕ ክሰርሕ ድማ እቲ ፀብፃብ ይፅውዕ።