ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ተሓላቒ ደሕንነት ጋዜጠኛታት /CPJ/ ቁፅሪ ኣብ ዙሪያ ዓለም ተኣሲሮም ዘለው ጋዜጠኛታት ዝገለፀሉ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣውፂኡ።
ዋሽንግተን —
ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ኣብዚ ንዛዝሞ ዘለና ዓመተ 2016 ኣብ ዙሪያ ዓለም 259 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ይርከቡ ክብል ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ጸብጻብ ኣብ ኣፍሪቃ ግብፂ 25፣ኤርትራ 17 ኢትዮጵያ ከኣ 16 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ምሓዘን’ውን እቲ ትካል ገሊጹ።
ኣብ መላእ ዓለም ጋዜጠኛታት ምክልባትን ምእሳርን እናገደደ ምምጽ ኡ ትካል ተሓላቒ ደሕንነት ጋዜጠኛታት(CPJ) ኣዝዩ ከምዘጉሃዮ ዝገለጹ ተጸዋዒ’ቲ ጉጅለ ሙሬቲ ሙቲጋን ብፍላይ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝበላ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍጸም መትቓዕቲ እዝዩ ከምዝገደደ ጠቂሱ ኣብ ኣፍሪቃ’ን እቲ ኩነታት ተጋዲዱ’ሎ ኢሎም።
ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ሶማል ኩነታት ምእሳር ጋዜጠኛታት ምምሕያሱን ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝተአሰረ ጋዜጠኛ ከምዘየለን ሓቢሮም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ብቁጽሪ እሱራት ጋዜጠኛታት ኣብ ኣፍሪቃ ኤርትራ ካልኣይቲ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ደረጃ ምሓዘን ተገሊጹ
ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ጸብጻብ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።