ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ምስ በዓልቲቤቶም ሚሸል ኦባማ ብኣጋጣሚ ዒድ ኣልፈጥር ናይ እንቃዕ ኣብጽሐኩም መልእኽቲ ንኣብ ኣመሪካን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና ኣመሓላሊፎም።
ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ መልእኽቶም - ብምኽንያት ጾመ-ልጓም ሮመዳን ምስ ሓያሎ ኣመሪካውያን ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ምድንፋዕ ደሞክራስን ቁጠባን ኣበርክቶ ዝገበሩ ዜጋታት ተራኺቦም ክዝትዩ ምኽኣሎም ከምዘሐጎሶም ጠቒሶም።
ምስ ሓያሎ ኣመንቲ ምስልምና ምስ ዝኾኑ የዕርኽቱናን መሳርሕትናን ኣብ ዘፍጥርናሉ ን ካልኦት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካብ ዘፍቅርዎም ቤተሰቦም ተፈላልዮምን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎምን ኣብ ስደት ዝርከቡ ሶርያውያን ምድንጋጽ ዘርኣናሉ ኣጋጣሚ ነይሩ ክብሉ ድማ ፕረዚደንት ኦባማ ገሊጾም።
ብኣጋጣሚ’ዚ ጾመ ሮመዳን ኣብ ሽግር ንዝርከቡ ሶርያውያን ናይ 195 ሚልዮን ዶላር ናይ መግብን ካልእ ሰብኣዊ ሃገዝ ከምዝተቐረበ ዝጠቐሱ ፕረዚደንት ኦባማ፡ ብ ሓፈሻ ንህዝቢ ሶርያ ልዕሊ 1 ቢሎዮን ዶላር ዝበጽሕ ሓገዝ ካብ ምጅማር እቲ ቅልውላው ኣትሒዙ ከምዝተለገሰሉ ኣፍሊጦም።
ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰረ ዜና - ዳይረክተር ድምጺ ኣመሪካ ደቪድ ኢንሶር ንኹሎም ኣመንቲ ምስልምና ብኣጋጣሚ ዒድ ኣልፈጥር እንቃዕ ጾመ ልጓም ፈትሐልኩም ክብል መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
ዳይረክተር ቪኦኤ ደቪድ ኢንሶር ኣብ መልእኽቱ ኣብ ቅነ ወርሒ ሮመዳን ጋዜጠኛታትና ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም እዋናዊ ዜና ከምኡ’ውን ምስ ጾመ ሮመዳን ዝተተሓዘ ኣገባብ ኣከባብርኡ ዝምልከት ጸብጻባት ኣብ ምትሕልላፍ ምቕናዮም ኣፍሊጡ። እዞም ጸብጻባት እዚኣቶም ንኹላትና ኣብ ምቅርራብ ተራ ነይርዎም ክኸውን ተስፋ እገብ ክብል ብተወሳኺ ደቪድ ኢንሶር ገሊጹ።