ዋሽንግተን —
ቁጽሪ ኣብ ምብራቃዊ ኮንጎ ብሰንኪ ውሕጅ ዝሞቱ ሰባት ዳርጋ ብዕፅፊ ብምውሳኽ ኣስታት 400 ምብጽሑ ሓደ በዓል ስልጣን’ቲ ከባቢ ገሊፆም።
ትማሊ ሰንበት ተወሳኺ ሬሳታት ከምዝተረኽበ ብቴሌፎን ከምዝተነግሮም ኣመሓዳሪ’ቲ በቲ ሓደጋ ውሕጅ ኣዝዩ ዝተሃሰየ ክፍለ ግዝኣት ደቡብ ኪቩ ቶማስ በከንጅ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ገሊፆም።
ንሶም ቁፅሪ’ቶም በቲ ሓደጋ ውሕጅ ዝሞቱ 394 ከምዝበፅሐን ካብኣቶም እቶም 170 ኣብ ኣርባዕተ ጅምላዊ መቓብር ከምዝተቐበሩ ሓቢሮም።
ብሰንኪ'ቲ ውሕጂ ዘጋጠመ ዕንወት’ውን ስራሕ ምብፃሕ ረድኤት ከምዝተዓናቀፈ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝወጽኦ ዜና ይገልጽ።