ባህላዊ ኣፈላልሓ ቡን ኢትዮጵያውያን ዘርኢ ምርኢት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ባህላዊ ኣፈላልሓ ቡን ኢትዮጵያውያን ዘርኢ ምርኢት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ

ባህላዊ ኣፈላልሓ ቡን ኢትዮጵያውያን ዘርኢ ምርኢት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። ኣብቲ ምርኢት ናይ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ባህላዊ ኣፈላልሓ ቡንን ክብርታቱንንዕዱማት ቀሪቡ።

ነዚ ባህሊ ኣብ ዩኒስኮ ንኽምዝገብ ዝዓለመ ምድላው ምኳኑ’ውን ኣዳለውቲ እቲ ምርኢት ዋርካ ኮፊ ገልፁ።

ቡን ንኢትዮጵያውያን ካብ ምንቕቓሕ ዝሓለፈ ቁጠባውን ማሕበራውን ጥቕሙ ዝለዓለ እዩ። ስድራቤታት ኮኑ ጎረባብቲ ኣብ ቡን ተኣኪቡም ማሕበራዊ ርክባቶም የማዕብሉ፣ ንዝተፈላለዩ ፀገማቶም ፍታሕ የናድዩ፣ ሓሳባት ይለዋወጡ። እዚ ኣብቲ ብባህላዊ መገዲ ዝፍላሕ ስነስርዓት ቡን ኢትዮጵያውያን ዝደጋገም ፍፃመ እዩ።