ኣብ ክልል ኣምሓራ ህይወት ንዝጠፍኣሉ ግጭት ይጻረ ከምዘሎ መንግስቲ ሓቢሩ

  • መለስካቸው ኣምሃ
    ገብረ ገብረመድህን

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ከተማታት ዞባ ሰሜን ወሎ ህይወት ሰባት ዝጠፍአሉ ግጭት ይፃረ ከምዘሎ ምንስቴር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዶ/ር ነገሪ ለንጮ ኣፍሊጦም።ዘጥፍአ ናይ ፀጥታ ሓይሊ ይኹን ካሊእ ካብ ተሓታትነት ኣየምልጥን ኢሎም ሎማዕንቲ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ።ብኻሊእ ዜና መንግስቲ እሱራት ኣብም ፍታሕን ንሕቶታት ህዝቢ ግቡእ ምላሽ ኣብ ምሃብን ብቕልጡፍን ወሰኒን ኣገባብ ክሰርሕ ኣለዎ ኢሎም ምኽትል ኣቦ ወንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ።

ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ለውጢ ከምፅእ እየ፤ንዝተኸሰቱ ሽግራት እውን ሓላፍነት ክወስድ እየ ኣብዝበለሉ ፅባሕ ግጭታት ክፍጠሩን ህይወት ሰብ ክጠፍእን ከመይ ክኢሉ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም ኣብ ሰሜን ወሎ ብሰንኪ ዝተልዓለ ግጭት ቅድሚ ህወይት ሰብ ምጥፍኡ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ እንተዝነብር ኩላትና ሕጉሳት ምኾና ግን እቲ ፀገም ተፈጢሩ’ሎ እዚ ማለት ግን መንግስቲ ነቲ ፀገሙ ኣይፈለጦን ማለት ኣይኮነን ኢሎም።

“ፀገማት ኣለው፤ግን ምስ ወድዓዊ ኩነታት ምርዳእ ኣድላዩ እዩ።ናይቲ ክልል መንግስቲ እቲ ፀገም ምስ መንቀሊኡ ብምፅራይ መፍትሒ ንምምፃእ ንህዝቢ ብምዝርራብ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።”

ኣብ ወልዲያን ካልኦት ከተማታትን ሰሜን ወሎ ዝተኸሰተ ግጭት ሓይልታት ፀጥታ ዘይድሊ ሓይሊ ምውሳዱ ዝተሓተቱ ንሶም እቲ ጉዳይ ምስተፃረየ ዝቐርብ’ዃ እንተኾነ ምናልባሽ ተመጣጣኒ ዘይኮነ ስጉምቲ ክውሰድ ከሎ ዝኾነ ይኹን ሰብ ካብ ተሓታትነት ኣየምልጥን ኢሎም።

“ሓይልታት ፀጥታና እውን ጉድኣት ከይወረደ ንምቁፅፃር ክኽእሉ ስራሕቲ ይስርሑ እዮም ዘለው።ግን ድማ ከም እንሪኦ ጌጋታት ኣለው፤ናይዞም ጌጋታት መንቀሊ ዝተፈላለዩ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።ስለዚ ትፃሪዩ ክቐርብ እዩ።”

ንዝጠፍአ ህይወት ሰብ ንዝዓነወ ንብረትን ተሓተቲ ኣካላት ፀጥታ ይኹኑ ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብ ካብ ሕጊ ከምልጡ ኣይክእሉን ኢሎም ዶ/ር ነገሪ ብምውሳኽ።ነገር ግን ናይ ፀጥታ ኣካላት ሽም ንምፅላም ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝስምዑ ኣብ መንጎ ህዝብን ኣካላት ፀጥታን ምትእምማን ከይህሊ ኮነ ተባሂሉ ዝስራሕ እዩ ምስ በሉ።

“ኣካላት ፀጥታ ካብ ህዝቢ ዝወፁ እዮም፤ዜጋታትና እዮም፣እንተድኣ ኣጥፊኦም ክሕተቱ እዮም፤ግን ክኣ ስርሖም ብዝግባእ ንክሰርሑ ንዕኦም ዘለና ኣረኣእያ ግቡእ ክኸው ኣለዎ።”

ብኻልእ ዜና መንግስቲ እሱራት ብምፍታሕን ንሕቶታት ግቡእ ምላሽ ብምሃብን ብዝበለፀ ወሳንነትን ፍጥነትን ክሰርሕ ምኽትል ኣቦ ወንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ንሶም ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተልዓለ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ኦሮሚያ ብዙሓት ናይ ፓርቲ ኣባላቶም ተኣሲሮምና ይብሉ ።ካብ ዝተፈትሑ ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ ዶ/ር መረራ ጉዲና ጥራሕ ከምዝኾኑን ካልኦት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡን ሓቢሮም።

“ሎሚ ፅባሕ ክፈትሑልና እዮም ኢልና ኣብ ምፅባይ ንርከብ።ዝኣተውዎ ቃል ክፍፅሙ እዮም ዝብል ግምት ነይሩና፤ግን ኣይተፈፀመን ዘሎ።ኣብክድንኡ ንቤት ፍርዲ ደፊርኩም ብዝብል ኣብ ልዕሊ እኒ በቀለ ገርባ ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ተወሲኑዎም ንንገላታእ ኣለና።”

ብሓፈሻ ካብ ክልል ኦሮሚያ ኣስታት 22 ሽሕ ሰባት እዮም ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ግን ኣዚዮም ውሑዳት እዮም ኢሎም።

ኣቶ ሙላቱ ገመቹ እታ ሃገር ካብ ዝኣተወተቶ ቅልውላው ክትወፅእ መሰረታዊ ፍታሕ ንምርካብ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ የገድሰኒ እዩ ምስ ዝብሉ ሓይልታት ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ክዘራረብ ኣለዎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዖ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ክልል ኣምሓራ ህይወት ንዝጠፍኣሉ ግጭት ተሓተቲ ንምርኻብ ይጻረ ከምዘሎ መንግስቲ ሓቢሩ