ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ከተማ ኣዋሽ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ጅጅጋ ናብ ኣዲስ ኣበባ ትጓዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ሓንቲ ሚኒባስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ተጉዓዝቲ ከምዝተቅትሉ ተገሊጹ። ኣቶ ብድሪ የሱፍ ዝተባህሉ ተጉዓዚ እቲ ፍጻመ ዘጋጠመ ንሓደ ፈታዊኦም ንሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ብሚኒባስ ሒዞም እናኸዱ ከለዉ ከምዝኾነን ኣብ ከተማ ኣዋሽ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ብሃንደበት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።
ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ሶማሌ ኣቶ ዓብደልቃድር ረሺድ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ መንነት ተሳፈርቲ መሰረት ብምግባር ምኳኑን ኣብ መንጎ ኣርባሕቲ ከብቲ ዓፋርን ሕብረተሰብ ሶማሌ ጎንጺ ምህላዉን እዚ ናይ ቀዳም መጥቃዕቲ ኣካል'ዚ ምኳኑን ይዛረቡ። ይኹን ምበር ሓደ ነባሪ ኣዋሽ ብወገኖም መበገሲ'ቲ መጥቃዕቲ ናይ ውልቀ ባእሲ ምኳኑን ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ'ዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ዕጡቅ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሕጊ ከምዝወዓለ ተዛሪቦም።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ማሕበረሰብ ዝካየድ ጎንጺ ህይወትን ንብረትን የጥፍእን ሰባት የመዛብልን ምህላዉ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ ኔሩ።
ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ካብ ክልል ዓፋር ምምሕዳር ከተማ ኣዋሽ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን ።
ኣውቶብሳት ብሓገዝ ሓለዋ ጸጥታ ፌደራል ካብ ክልል ሶማሌ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝህበኦ ኣገልግሎት ጉዕዞ ግን ከምዘይተቋረጸ'ውን ኣቶ ዓብደልቃድር ረሺድ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጾም ኣለው።