ኣብ ክልል ጋምቤላ ብዝተራእየ ሕማም ሸሮኽ(ኮሌራ) ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም

ክልል ጋምቤላ - ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ብዝተላዕለ ለበዳ ሕማም ሸሮክ(ኮሌራ) 15 ሰባት ከምዝሞቱ ቤት ጽሕፈት ጥዕና’ቲ ክልል ኣፍሊጡ።እቲ ለበዳ ፈለማ ኣብ ዝተራኣየሉ ዞባ ኑዌር ግና ክሳዕ ሎሚ በቲ ሕማም 18 ሰባት ከምዝሞቱ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና’ቲ ዞባ ኣቶ ጋትቤል ግርማል ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም ኣለው።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ጋምቤላ ዶ/ር ኣቤል ኣሰፋ ብወገኖም "ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ዞባ ንዌር ዝተራእየ ሕማም ሸሮኽ( ኮሌራ) ከምዝኾነ መረጋገጺ ኣሎ፣ ኣብ ሙሉእ’ቲ ክልል 15 ሰባት ሞይቶም፣ ልዕሊ 350 ሰባት ድማ ሓሚሞም ኣለው" ከምዝበሉ ሪፖርት ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ።