ጽንብል በዓል ልደት ከተማ ቤተልሄም ተሰሪዙ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ጽንብል በዓል ልደት ከተማ ቤተልሄም ተሰሪዙ

ኣብ ከተማ ቤተልሄም ጽንብል በዓል ልደት ብዓብይ ጽንብል’ዩ ዝካየድ ነይሩ። ሎሚ ዓመት ግን ኣብ ምዕራባዊ ገምጋም ብሰንኪ ዘሎ ኲናት ነቲ ጽንብል እታ ከተማ ክትስርዞ ወሲና ኣላ።

ኣብ ከተማ ቤተልሄም ናይ ምዕራባዊ ገማግም እትርከብ ቤተክርስትያን፡ የሱስ ክርስቶስ ዝተወልደላ ተባሂላ እቲ በዓል ዝኽበራ’ያ። እቲ ስፍራ፡ ሕጂ ንክብሪ ኣብ ቓዛ ዝሳቐዩ ዘለዉ ፍልስጤማውያን ዝገልጽ ባንዴራ ይርኣዮ። ቅድም እዚ ከባቢ ብምዕሩግ መብራህታት ልደት ዘብለጭልጭ ዝነበረ’ዩ።

ቀሺ ሙንታር ኢሳቕ፡ ኣብታ ኣብ ቤተልሄም ዘላ ሉተራዊት ቤት-መቕደስ ካህን’ዩ።

“ዝዓነወ ኣባይቲ፡ ዘስካሕክሕ ምስልታት ቓዛ ኢና ንዕዘብ ዘሎና። የሱስ ክርስቶስ ድማ ብንእሽቶኡ ኣብ ዑናታት’ዩ ነይሩ። ቆልዑ ካብታ ፍርስራስ ኣባይቲ ተሳሒቦም ክወጽኡ ተዓዚብና። እዚ ከኣ ንዓና ምስቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ዘመሳስል መልእኽቲ’ዩ ዝህበና።”

ቅድም ቤተልሄም ኣብዚ ከምዚ እዋን ካብ በበይኑ ሃገራት ብዝመጽኡ በጻሕቲ’ያ ተዕለቕልቕ ነይራ። እቲ ጽንብል ኣብ ሜዳ መብልዒ-ማል’ዩ ዝግበር ነይሩ። ሕጂ ግን ዘየባትኽ ደብዳብ እስራኤል ንቓዛን መጥቃዕታት ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ንበጻሕቲ ከም ዘይመጽኡ ገይሩ’ዩ። በዚ እምበኣር’ዩ ምምሕዳር ከተማ ቤተልሄም ናይ ሎሚ ዓመት ጽንብል በዓል ልደት ክስርዞ ዝወሰነ።

ከንቲባ ከተማ ቤተልሄም ዝዀነ ሃና ኣናኒያ፡ ንምስራዝ እቲ ቅዱስ በዓል ኣመልኪቱ፤“ቤተልሂም ናይ ፍልስጤም ከተማ’ያ። ፍልስጤማውያን ከኣ ኣብ ሓዘን ኢና ዘሎና። እዛ ከተማ ማዕረ ካልኦት ከተማታት ከም ወሽመጥ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግምን ሓዚና ኣላ። ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢና ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ ድማ ነዚ በዓል ክንስርዞ ተገዲድና።”

ከንቲባ እታ ከተማ ከም ዝሕብሮ፡ 70% ኣታዊኣ ካብ በጻሕቲ’ዩ። ሕጂ ግን መብዛሕትኦም ቅርሲ ዝሸጡ ድኳናት ተዓጽዮም’ዮም። ኣብዚ እዋን ዝመልኣ ዝነበራ ኣስታት 70 ሆቴላት ሎሚ ተዓጽየን ኣለዋ። ብዘይ ስራሕ ዝተረፉ መንእሰያት ድማ ብሓዘን ቃዚኖም ይርኣዩ።

ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ካብቶም መንእሰያት በቲ ኵነታት ቃዚኖም ምህላዎም ይነግሩ። ብሰንኩ ድማ ስራሓቶም’ውን ምብኳሩ ካልእ ተወሳኺ ሓዘን ከምዝኾኖም ይሕብሩ።

ገለ ካብቶም ነዚ በዓል ዝመጽኡ ሰዓብቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዝዀነ ሩስያውያን ካብ ሞስኮ ሩስያ’ዮም። ሓደ ካብኣቶም ፓቨል ክሪሚነስኪ’ዩ።“ኣይፈርሕን። ፈጺመ ኣይፈርሕን’የ። ራሻዊ’የ። ስለዚ ካብ ሚሳይል ኣፍርሕን’የ። ሓደ ካብቲ ዘየፍርሓኒ ምኽንያት ድማ ኣባል ሰራዊት ምዃነይ’ዩ። ኣባል ምክልኻል ሩስያ’የ።”

እቲ ዝካየድ ዓመታዊ ፈስቲቫል ደኣ ይሰርስ እምበር፡ መደብ ጸሎት ግን ኣይተቛረጸን። ከንቲባ ኣናኒያ፡ ኣብ እዋን ልደት ኣብ ጸሎት ከም ዘሕልፎ ኣካፊሉ ኣሎ። ሰላም ክሰፍን ኣብ ጸሎት ከተኵሩ ምዃኖም እቲ ከንቲባ ኣፍሊጡ። እታ የሱስ ክርስቶስ ዝተወልደላ መዓልቲ ንስለ ሰላም ክትዝከር ድማ እቲ ከንቲባ ጸዊዑ። ወሲኹ ኣማሓዳሪ ኣናኒያ፡ ንዝመጽእ ዓመት ሰላም ሰፊኑ ኣብ ቓዛ ዘሎ ኲናት ዛንታ ክኸውን ተመንዩ ኣሎ።