ቻይና ኣብ ከባቢ ታይዋን ወታሃደራዊ ስርሒት ተካይድ

  • ዜና ቪኦኤ

ሓለዋ ዶባት ማያት ቻይና ኣብ ከባቢ ማያት ታይዋን 14 ጥቅምቲ 2024

ሰራዊት ቻይና ንናይ ታይዋን ሓይልታት ነፃነት መጠንቀቅታ’ዩ ብምባል ሎሚ ሰኑይ ኣብ ጥቃ ታይዋን ወታሃደራዊ ልምምድ ኣካይዱ። ታይዋንን ኣመሪካን ነዚ ስጉምቲ ቻይና ኮኒኖምዎ ኣለው።

ምብራቓዊ እዚ ኮማንድ ቻይና እቲ ወታሃደራዊ ልምምዱ ዘካይደሉ ትሸዓተ ከባቢታት ሰሜንን ደቡብን ታይዋን ዘርእይ ካርታ ኣውፂኡ’ሎ።

ሚንስተር ምኽልኻል ታይዋን ቻይና ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብዚ ልምምድ እቲ ዝለዓለ ኮይኑ ዝተመዝገበ 125-ወታሃደራዊ ነፈርቲ ምጥቃማን ካብዚኣተን 90- ነፈርቲ ኵናት ሄሊኮፕተራትን ድሮናትን ምኳነን ገሊፁ’ሎ።

ቻይና ከም ኣካል-ግዝኣታ ጌራ ትቕፅራ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ትመሓደር ታይዋን ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሃገራዊ ዕለት- ቻይና ንታይዋን ኣይትውክላን’ያ ግን ምስ ቻይና ሓቢርካ ንምስራሕ ንደሊ ኢና ድሕሪ ምባሎም ቻይና ነዚ መደረኦም ብምኹናን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ንደሓር መጠንቐቕታ ክትህብ'ያ ፀኒሓ።

ቻይና ነዚ ግዙፍ ወታሃደራዊ ልምምድ ሎሚ ብዓወት ከም ዝዛዘመቶ ኣፍሊጣ’ላ። ቤት-ፅሕፈት ፕረዚደንት ታይዋን ቻይና ነቲ ንዞባዊ ሰላምን ምርግጋኣን ዘስግእ ወታሃደራዊ ምትትኹታኽ ክተቋርጾ ፀዊዑ’ሎ።

ቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከኣ በቲ ሰራዊት ቻይና ኣብ ወሽመጥ ታይዋን ዘካይዶ ወታሃደራዊ ልምምድ ኣዝዩ ከምዝተሻቀለ ገሊፁ’ሎ።