ኣብ መንጎ ቻይናን ሩስያን ዝካየድ ንግዲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ከም ዝበፅሐ ሎሚ ሰኑይ ዝወፀ ወግዓዊ ኣሃዝ ሓቢሩ። እዚ ምዕራባዊያን ኣብ ልዕሊ ሞስኮ እገዳታት እንተገበሩ እውን ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ድልዱል ቁጠባዊ ምትእስሳር ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ ክብል ፀብፃብ ኣገግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።
ብመሰረት ምምሕዳር ጉምሩክ ቻይና ሎሚ ሰኑይ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣብ ዓመተ 2024 ምስ ሩስያ ዝተኻየደ ንግዲ ሓዊሱ ብድምር ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተወን ዝተሰደደን 244.8 ቢልዮን ዶላር በፂሑ ኣሎ። ኣብ 2023 እዚ ኣሃዝ 240.1 ቢልዮን ዶላር እዩ ነይሩ።
ኲናት ሩስያን ዩክሬን ካብ ዝውላዕ ንደሓር ኣብ መንጎ ቤጂንግን ሞስኮን ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምትእስሳር ይዓሙቕ እዩ ዘሎ። ኣመሪካን ምዕራባዊያንን ነቲ ወራር ብስፍሓት ብምኹናን ኣብ ልዕሊ ሩሲያ እገዳታት እንተንበራ'ውን ብኣንፃሩ ኣብቲ ቅልውላው ንርእሳ ዘይሻራዊት ምዃና ትገልፅ ቻይና ንወራር ሩሲያ ኣይኮነነትን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ 2024 ኣብ መንጎ እተን ካብ ዓለም ዝዓበየ ቁጠባ ዘለወን ቻይናን ኣመሪካን ንግዳዊ ርክብ ናይ 3.7 ሚእታዊት ብምዕባይ 688.3 ቢሊዮን ዶላር ከም ዝበፅሐ ሓበሬታ ጉምሩክ ቻይና ይገልፅ።
ኣብ ፈላማይ ስልጣን ዘመኖምን ኣብ ልዕሊ ቻይና ቐረፅ ዝወሰኹ ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ዝጅመር ካልኣይ ናይ ስልጣን እዋኖም ዝገደደ ናይ ንግዲ ስጕምትታት ከም ዝወስዱ ይገልፁ ኣለው።