ውድባት ፍልስጤም ልፍንታዊ ጊዝያዊ መንግስቲ ንምምስራት ተሰማሚዖም

  • ዜና ቪኦኤ

ኣብ ቻይና ንልዝብ ዝተራኸቡ ናይ ፍልስጤም ውድባት ሃማስን ፈታሕን ልፍንታዊ ጊዚያዊ መንግስቲ ንምምስራት ከምዝተሰማምዑ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ሎሚ ኣፍሊጡ።

መግለጺ ቻይና 14 ዝተፈላለዩ ውድባት ፍልስጤማዊያን ንሰለስተ መዓልታት ድሕሪ ዘካየድዎ ሓባራዊ ኣኼባ ከምዝኾነ’ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ብወገኑ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ "እቲ ዋና ነገር፣ ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (ፒ ኤል ኦ) ሕጋዊ ወኪል ህዝቢ ፍልስጤም ከምዝኾነ፣ ንጹር ክኸውን ኣለዎ" ይብል።

ስዑድ ዓረብን ኢራንን ስምምዕ ሰላም ንምብጻሕ ድሕሪ ዝፈተነኦ መስርሕ ሰላም ቻይና ናብ’ዚ ደረጃ’ዚ ምብቃዓ ማዕረ ዲፕሎማስያዊ ዕልዋ ከምዝቁጸር’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።