ቀረጽ ኣብ ልዕሊ ናይ ቻይና መካይን ግብረ-መልሲ ከየስዕብ የስግእ

  • Steven Ferri
    ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ቀረጽ ኣብ ልዕሊ ናይ ቻይና መካይን ግብረ-መልሲ ከየስዕብ የስግእ

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ካብ ቻይና ዝኣትዋ ናይ ኤለክትሪክ መካይን ቀረጽ ድሕሪ ምንባሩ፡ መንግስቲ ቻይና ናይ ግብረ-መልሲ ስጉምቲ ክወሰድ`ዩ ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ'ሎ። ቻይና ኣብቲ ትወስዶ ናይ ግብረ-መልሲ ስጉምቲ ንዝተወሰና ሃገራት ኤውሮጳ ዒላማ ከም ትገብር`ውን ይግመት።

ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ንመስተ ኮኛክ ዘገልግል ዘለላ ወይኒ ዘፍርዩ ሓረስቶት ካብ መንጎ`ቶም ብቻይና ስግኣት ሕዲርዎም ዘለዉ`ዮም፡ ምኽንያቱ ልዕሊ ሓደ ሲሶ ዘፍርይዎ ኮኛክ ናብ ቻይና እዮም ዝልእኹ። ሕጂ እቲ ስግኣት ዝስማዕ ዘሎ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ካብ ቻይና ዝኣትዋ ኤለክትሪክ መካይን ቀረጽ ስለዝወሰኸ፡ ቻይና'ውን ናይ ከምኡ ዓይነት ግብረ መልሲ ከይትህብ'ዩ።