ዋሽንግተን —
ቻይና ኣብ ዝዓበየ ምድረበዳ'ታ ሃገር 3,000 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ሓምላይ ቕናት ምዝዛማ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ሓቢረን።
ቻይና ዝዓበየ ምድረበዳ'ታ ሃገር ብኣግራብ ንምሽፋን ን46 ዓመታት ክተካይዶ ንዝፀንሐት ወፍሪ ምዝዛማ ኣፍሊጣ። እዚ ምድረበዳነት ከብቅዕን ኣብ እዋን ፅድያ ንኽፋል እታ ሃገር ዝሽፍን ህቦቡላ ሑፃ ንምክልኻልን ናይ ዝግበር ሃገራዊ ፃዕርታት አካል ምዃኑ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ሎሚ ዓርቢ ምጽብጻበን ሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣስታት 3,000 ኪሎ ሜትር ወይ 2,000 ማይል ንውሓት ዘለዎ ‘’ሓምለዋይ ቕናት’’ ኣብ ዙሪያ ታክላማካን ትማሊ ሓሙስ ተዛዚሙ ኣሎ።
እቲ ምድረበዳ ብኣግራብ ናይ ምሽፋን ፃዕርታት ኣብ 1978 ኣብ ቻይና’ Three-North Shelterbelt’’ ዓብዪ ቕጠሊያ መንድቕ ብዝብል ፕሮጀክት እዩ ተጀሚሩ። ልዕሊ 30 ሚሊዮን ሄክታር ኣግራብ ድማ ክሳብ ሕጂ ተተኺሉ ኣሎ።