ቀ/ሚ ኣብይ ኣብ ናይ ቻይና መድረኽ ቅናትን መገዲን ንምስታፍ ቤይጂንግ ኣትዮም

ቀ/ሚ ኣብይ ኣብ ናይ ቻይና መድረኽ ቅናትን መገዲን

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሶኑይ ካብ 17 ክሳብ 18 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ዋና ከተማ ቻይና ኣብ ዝካየድ ሳልሳይ ዓለምለኸ ምትሕብባር ቅናትን መገድ ጎደናን ንምስታፍ ቤይጂንግ ኣትዮም።

እቲ መድረኽ ኣብዛ ዓመት እዚ ቻይና እትዳልዎ ካብ ዘላ እቲ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ፍፃመ እዩ። ንመበል 10ይ ዓመት ይካየድ ዘሎ ተበግሶ ቅናትን መንገድን እውን እዩ።

ዛጊት መራሕቲ ሃገራት ካምፖድያ፡ ኒው ጊኒ፡ ኮንጎ፡ ኢትዮጵያን ናይጀርያን፣ ሓለፍቲ ዓለምለኸ ትካላት፣ ሚንስተራት፣ ተወከልቲ ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ ምሁራትን ዝርከቡዎም ካብ ልዕሊ 130 ሃገራትን ልዕሊ 30 ዓለምለኸ ትካላትን ዝተወከሉ ኣብቲ ኣኼባ ከምዝሳተፉ ኣረጋጊፆም ኣለው።

መድረኽ ቅናትን መገድን ኣብ 2017 ኣብ ቤጂንግ ፈላማይ ኣኼብኡ ኣካይዱ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ልዕሊ 150 ሃገራት ልዕሊ 30 ዓለምለኸ ትካላትን ሰነዳት ኣብቲ መድረኽ ፈሪሞም እዮም።