ዋሽንግተን —
ቻይና ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘገልግሉ ማዕድናት ናብ ኣመሪካ ንከይኣትዉ ኣጊዳ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ማይክሮ-ቺፕ ቻይና ዝወሰደቶ ስጉምቲ ግብረ መልሲ ምኳኑ ሚኒስተር ንግዲ ቻይና ምሕባሮም ሮይተርስ ፀብፂቡ።
ቤይጂንግ ንወተሃደራውን ሲቪላውን መዓላታት ዝውዕሉ ድርብ ኣገልግሎት ዘለዎም ናብ ኣመሪካ ዝለኣኹ ኣቑሑ ኣመልኪታ ስኽፍታታት ሃገራዊ ድሕነት ዝጠቅስን ሽዑ ንሽዑ ተግባራዊ ዝኸውንን መምርሒኣ ደጊማ ብምምርማር ጥንቃቐ ከምዘድልይ ኣተሓሳሲባ።
ትራምፕ ናብ ዋይት ሃዉስ ምስ ተመልሱ ፈላማይ ስረሖም ከቢድ ንግዳዊ ኲናት ኣብ ልዕሊ ፍርያት ቻይና 10 ሚእታዊት ቀረፅ ኣብ ልዕሊ ሰደዳቶም ድማ 60 ሚእታዊት ቀረፅ ከም ዝውስኹ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጨኦም ምዝራቦም ይዝከር።