ሻምፕዮን ኤርትራ 2024፡ ብዓወት ናትናኤል ተስፋጼንን ቅሳነት ወልደሚካኤልን ተዛዚሙ

Your browser doesn’t support HTML5

ሓሙስ 13 ሰነ፡ ብናይ ክሮኖ ሜተር ዝፈለመ ሻምፕዮን ኤርትራ 2024፡ ብዓወት ናትናኤል ተስፋጼንን ቅሳነት ወልደሚካኤልን ተዛዚሙ። ኣብቲ ቀዳም 15 ሰነ ፡ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዝተኻየደ ናይ 173.4 ኪ/ሜ ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጼን ኣብ ሰዓት 41.9 ኪ/ሜ እንተሓንበብ ንውድድሩ ብ4 ሰዓትን 7 ደቒቕን 52 ካልኢትን ብምዝዛም’ዩ ተዓዊቱ።