ብድሆታት ኣተዓባብያ ቆልዑ ኣብ ስደት - ርእይቶ ኣዴታት
Your browser doesn’t support HTML5
ወለዲ ኮነ ኣብ ስደት ዝዓብዩ ቆልዑ ነናቶም ዝኾነ ብድሆታት የቕርቡ። ኣብ መንጎ ወለድን ቆልዑን ዘሎ ናይ ባህል፡ ልምድን ቋንቋን ክፍተት፡ ወለዲ ናብ ዝመጽሉ ሃገር ንምትሕንፋጽን ንባህልን ልምድን ንምቕባል ዘሎ ብድሆታት ብሓፈሻ ድማ ኣብዚ ጊዜ ንዘሎ ብድሆታት ምዕባይ ቆልዑ ብዝምልከት ካብ ቴክሳስ ኣመሪካ ንኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ዓወት ነብያት ካብ ኡጋንዳ ድማ ንኣደ ሰለስተ ቆልዑ ኣድያም ኣብርሃ ተመክሮኣን ሓሳበን ኣካፊለን ኣለዋ።