ኣብ ስራሕ ሕርሻ ክልል ትግራይ ንዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ስራሕ ሕርሻ ክልል ትግራይ ንዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊጹ

ቢሮ ሕርሻን ሃብቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ብዝነበረ ኲናት ልዕሊ 2000 ካብ ዝነበራ ናይ ሕርሻ ትራክተር ዝበዝሓ ተዘርፊን ካልኦት እውን ብምዕናወን ኣብዚ ሐዚ እዋን 120 ትራክተራት ይርከባ ኢሉ ::

እዚ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ እቲ ክልል ልዑል ፅልዋ ከምዝፈጠረ ዝገለፀ እቲ ቢሮ እዚ ንምፍታሕ ምስ ተጋሩ ዳያስፖራን ካልኦት ሓገዝቲ ኣካላትን ንምስራሕ ተሊሙ ከምዘሎ ሓቢሩ::