ወሃቢ ቃል ሰማያዊ ፓርቲ ዮናታን ተስፋዬ ንሽዱሽተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ተፈሪዱ

Your browser doesn’t support HTML5

ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ንወሃቢ ቃል ተቃዋሚ ፓርቲ ዮናታን ተስፋዬ ትማሊ ንሽዱሽተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ፈሪዱ።ንሱ ተግባራት ግብረ ሽበራ አተባቢዑ ብዝብል ክሲ ምእሳሩ ይፍለጥ። ዮናታን ተስፋዬ “መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምጭፍላቕ ዘይግቡእ ሓይሊ ተጠቒሙ “ ኢሉ ኣብ ማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክ ብምጽሓፉ፡ ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው አቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ አቶ የሽዋስ አሰፋ ይገልጹ።