ማእኸል መከላኸሊ ሕማም ኣፍሪቃ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ውጥን ወግዓዊ ጌሩ

ማእከል መኸላኸሊ ሕማማት ኣፍሪቃ (CDC) ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ውጥን ሎሚ ገሊጹ። እዚ ትካል ኣብ 2013 ዓ.ም ዝተወጠነ ኮይኑ ብሰንኪ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ምስረትኡ ዘቐላጠፈ ትካል’ዩ።

ኣቐዲሙ ተሓሲቡ ዝነበረ ለበዳ ኢቦላ’ውን ህጹጽ ዝገብሮ ማእኸል መከላኸሊ ሕማም ኣፍሪቃ (አፍሪቃ ሲዲሲ) ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ አዲስ አበባ ኣብ ዝኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪቃ’ዩ ከምዝተመስረተ ተገሊጹ።ሎሚ ኸአ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ስትራቴጂካዊ ውጥን ወግዓዊ ጌሩ’ሎ። ስርሑ ኣብ ዝጅመረሉ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ክዕጾ ከምዝኽእል ተገሊጹ’ሎ።

ነዚ ኣፍሪቃዊ ማእኸል ምምስራት ዝለዓለ አበርኽቶ ዝገበረ ናይ ኣሜሪካ ማእኸል መኸላኸሊ ሕማማት ኽኸውን ኸሎ ናይቲ ማእኸል ናይ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ጀፈር ሃንሰን ነዚ መብርሒ ኣብቲ ዋዕላ ሂቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ማእኸል መከላኸሊ ሕማም ኣፍሪቃ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ውጥን ወግዓዊ ጌሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ማእኸል መከላኸሊ ሕማም ኣፍሪቃ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ውጥን ወግዓዊ ጌሩ