ኣብ ኣውሮፓ ኣብ መንጎ ናይ ምዝራብ ነፃነትን ናይ ፅልኢ ምደራን ዘሎ ኣፈላላይ ክትዕ ጀሚሩ

Prime Minister Manuel Valls, center, dries his tears, next to French President Francois Hollande, left, and Paris Mayor Anne Hidalgo during a ceremony to pay tribute to the the police officers killed in the attacks, in Paris, France, Jan. 13, 2015.

ኣብ ፓሪስ ፈረንሳይ ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ስዒቡ ኣውሮፓዊያን ፖለቲካዊ መራሕትን ህዝብን ኣብ መንጎ ናይ ምዝራብ ነፃነትን ናይ ፅልኢት ዘረባን ዘሎ ኣፈላላያት ክካትዑ ጀሚሮም ኣለው።ምስልምና ኣብ ፈረንሳይ ካልኣይ ዝዓበየ ሃይማነት እዩ።ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮፓ እውን ቁፅሪ ኣመንቲ ምስልምና እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።እዚ ነዊሕ እዋን ንዘቑፀረ ክብርታት ምዕራባዊያን ሽግር ከስዕብ እዩ ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩሎ።

እስራኤል ኣብ ፓሪስ ናይ ኣይሁዳዊያን ሱፐርማርኬት ዝተቐተሉ ኣርባዕተ ኣይሁዳዊይን ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣካይዳላ።ፈረንሳይ እውን ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ናይ ነቢዩ መሓመድ ካርቱን ዝሓተመት ናይ ሕጫጨ መፅሄት ንዝተቐትለ ሙስሊም ፖሊስ ተሰናቢታላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ፓኪስታን ብኣኽራሪ መራሒ ሃይማኖት ምስልምና ዝተመርሐ ስነርስዓት ዝኽሪ ተኻይዱሎ።ግዳያት ንምዝካር ኣይኮነን።እቲ ዝኽሪ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት እታ መፅሄት መጥቓዕቲ ንዝፈፀሙን ዳሕራይ ብፖሊስ ንዝተቐተሉን ክልተ ኣሕዋት እዩ።

ፓኪስታናዊ ከባቢያዊ መራሒ ሃይማኖት ታሕሪቅ ንኽብሪ ኩሎም ሙስሊማት ክብሉ ዝተሰውኡ ብምዃኖም ክነመስግኖም ክንዝክሮም ኢና ኢሉዎም ኣሎ።

ኣብ ፓሪስ ቀዳማይ ምንስቴር ፈረንሳይ ማንዌል ቫልስ ኣብ ፈረንሳይ ንፈጣሪ ምፅራፍ ገበን ዘይምዃኑ እንትገልፁ ‘’ንፈጣሪ ብፀያፍ ምድፋር ዝብል ኣብ ሕግና ቦታ የብሉን።ንመፃኢ እውን ኣይህልዎን።ኣብ መንጎ እዚ ነፃነት እዚን ፀረ-ማዊነት፣ዘርኣውነት፣ሽበራ፣መሰረታዊ ዝኾነ ኣፈላላይ ኣሎ።እዚኦም ብኸቢድ ዘቕፅዑ ገበናት እዮም’’ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ንህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሃይማኖት ምክፍፋል ክይጥሕሉ ምሕፅንታ ኣቕሪቦም።

ኣብ ኔዘርላንድ ከንቲባ ወደባዊት ከተማ ሮተርዳም ኣሕመድ ኣቡታለብ ስዓብቲ ምስልምና ንናይ ሓሳብካ ምግላፅ ነፃነት ክፃወርዎ እንድሕር ዘይክኢሎም ካብታ ሃገር ክወፁ ኣጠንቂቖም።ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ ኣብ ጋዜጣ ካርቱን ንዝስእሉ ምፅዋር እንተስኢኖም ካብዛ ሃገር ውፁ ኢሎም።

ኣብ ዙሪያ ዓለም ስኣልቲ ካርቱን ኣብ ፈረንሳይ ንዝተቐተሉ ናይ ሙያ ኣጋሮም ኮኒኖምዎ ኣለው።ገሊኦም ግን ውፅኢት ስርሖም /ካርቱኖም ማለት እዩ/ ንገለ ንፁሃን ሙስሊማት ከምዝጎድእ ይዛረቡ።ሎሚ ኣብ ኣውሮፓ ፀረ-ሙስሊም ኣተሓሳስባ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ምነጎ ሓሳብ ብነፃ ምግላፅን ፀርፍን ዝካየድ ክትዕ ክቕፅል እዩ።ንኸምዚ ዓይነት ቅትለት ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ኣይድግፎን ኣብ ዝብልግን ኣብ ዙሪያ ዓለም ንዝርከቡ መብዛሕቲኦም ሰባት ዘሰማምዕ እዩ።