ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ስደተኛታት ጽዒነን ይጉዓዛ ዝነበራ መካይን ብዘጋጠመ ሓደጋ 11 ሰባት ሞይቶም

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ስደተኛታት ጽዒነን ይጉዓዛ ካብ መንጎ ዝነበራ ሰለስተ መኻይን፡ ሓንቲ ተገልቢጣ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም 11 ሰባት ከምዝሞቱን ብርክት ዝበሉ ብኸቢድ ከምዝቖሰሉን ካብ ገለ ሰማዕቲ ምስ ተሓበረና ብዛዕባ`ቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንፍላጥ ብዝግበርናዮ ጻዕርታት ካብ`ቲ ሓደጋ ዲሒና ዝበላ ክልተ ደቂኣንስትዮ ኣዘራሪብና ኣለና።

እተን ደቀ ኣንስትዮ ብድምር 23 ዝኾና ኣብ ግብጺ ኣብ ከተማ ኣስዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከባ`ውን ገሊጸናልና`ለዋ። ንሳተን ብዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ተታሊለን ናብ`ቲ ኣሰቃቒ ዝበልኦ ኩነታት ከምዝኣተዋ`ውን ይገልጻ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ስደተኛታት ጽዒነን ይጉዓዛ ዝነበራ መካይን ብዘጋጠመ ሓደጋ 11 ሰባት ሞይቶም