ኣብ ክልል ትግራይ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኻይን 16 ሰባት ሞይቶም

  • ገብረ ገብረመድህን

Ethiopian


ሓንቲ ካብ ከተማ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተምርሕ ዝነበረት ሰላም ኣውቶቡስን ሚኒ ባስን ሎማዕንቲ ሰኒ ተጋጭየን ትሽዓተ ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ 16 ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣፍሊጡ።እቲ ሓደጋ ካብ ከተማ ዓዲጉደም ሰለስተ ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ኣብዝርከብ ቦታ ከምዘጋጠመ ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ዞባ ኮማንደር ታረቀ ሓጎስ ገሊፆም።ምኽንያት እቲ ሓደጋ ኣብ ምፅራይ ከምዝርከብ እውን ወሲኾም ገሊፆም።ዝርዝሩ የድምፁ።

Your browser doesn’t support HTML5

ሓደጋ መኪና ኣብ ትግራይ