ተስፋ -- ቃልሲ ኣንጻር ድርብራብ መሰናኽላት
Your browser doesn’t support HTML5
ነባሪት ኣትላንታ- ጆርጂያ ዝዀነት ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ቤትኤል በየነ ንሕማም መንሽሮ ጡብ ካብ ትብድህ ካብ ድሮ ሸውዓተ ዓመት የሕሊፋ ኣላ።
እንተዀነ ቤትኤል ነቲ ዝሓለፈቶ ተመኵሮ ናብ ካልኦት ንምትሕልላፍን በዚ ሕማም ንዝተጠቕዓ ተስፋ ንምሃብን ኣብ ቀጻሊ ስራሕ’ያ እትርከብ። ንመንሽሮ ጡብ ትበድህ ደኣ እምበር ካልኦት ሕዱራት ሕማማት ጸይራ’ያ ነዚ ቃልሲ እተካይዶ።