ቤት ፍርዲ ካናዳ ንኽሲ ኤርትራዊያን ኣብ ልዕሊ ኩባንያ ዕደና ነቭሰን ዝሓሸ ዝበሎ ቦታ ኽሓልፍ ወሲኑ

ሓደ ቤት ፍርዲ ካናዳ ገለ ኤርትራዊያን ኣብ ኩባንያ ዕደና ቢሻ ተገዲዶም ብምስርሖም ኣብ ልዕሊ ኩባንያ ዕደና ነቭሰን ንዝመስረትዎ ክሲ ኣብ ብሪትሽ ኮሎምብያ ክረአ ይኽእል’ዩ ክብል ወሲኑ እንተኾነ እቲ ቤት ፍርዲ እቲ ጉዳይ ከም ሓደ ብጥሙር ዝረአ ኣይኾነን ክብል ምውሳኑ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ቫንኮቨር ዝመደበሩ ኩባንያ ዕደና ብወገኑ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ክሲ ክነጽግን ክሲ እንተሓልዩ ድማ ኣብ ኤርትራ ደአእንበር ኣብ ካናዳ ክስማዕ የብሉን ክብል መጎተ እንተቕረበ’ኻ እቲ ቤት ፍርዲ ግን ነጺግዎ’ሎ።

ገለ ነቲ ኩባንያ ብጽሑፍ ደገፎም ዝገለጹ ሰራሕተኛታት ዕደና ብፍቃዶም ከምዝሰርሑን ዝኾነ ሕማቅ አተሓሕዛ ከምዘየጋጠሞም ገሊጾም’ለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ቤት ፍርዲ ካናዳ ንኽሲ ኤርትራዊያን ኣብ ልዕሊ ኩባንያ ዕደና ነቭሰን ዝሓሸ ዝበሎ ቦታ ኽሓልፍ ወሲኑ