ሊበራላዊ ሰልፊ ካናዳ፡ ማርክ ካርኒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ንምዃን ብዓብላሊ ድምጺ ብሰንበት ተመሪጹ። ብውሽጣዊ ቍጠባዊ ማሕልኾታትን ከምኡ’ውን ካብ ቀንዲ ንግዳዊት መሻርኽታ ጎረቤት ሃገር ኣመሪካ ከቢድ ቀረጽ ዝገጥማ ዘሎ ሃገር ክመርሕ ተመሪጹ ዘሎ ካርኒ፡ ንዅሉ ክገጥሞ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካናዳ መበል 51 ክፍለ-ሃገር ኣመሪካ ንምግባራ ዘለዎ ሓሳባት ብተደጋጋሚ ሰንድዩ ነይሩ። ምስ ኣመሪካ ዘሎ ብድሆ ግን ንሱ ጥራይ ኣይኰነን። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ ካናዳን መክሲኮን ዝኣቱ ንብረት ናይ 25% ቀረጽ ክግበር መምርሒ ሂቡ ኣሎ።
ካርኒ ኣብቲ ኣብ ኦታዋ ዝሃቦ ናይ ድሕሪ ምምራጹ ቃል እምበኣር ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ፤
“መንግስቲ ካናዳ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝግበሮ ቀረጽ ንኣመሪካውያን ዓቢ ጽልዋ ክህሉዎ’ዩ። ኣብ ካናዳውያን ግን ተመሳሳሊ ሳዕቤን ከም ዘይብሉ ከረጋግጸልኩም እፈቱ። ንባእሲ ኣይተዃተዅናን። እንተዀነ ከም ካናዳውያን ዝዀነ ወገን ክቃለሰና ክዳሎ እንከሎ፡ ንሕና’ውን ቅሩባት ኢና። ስለዚ ኣመሪካውያን ኣይትጋገገዩ። ኣብ ንግዲ፡ ጸወታ ሆኪን ካልእን ካናዳ ወትሩ ዕውትቲ’ያ።”
ካርኒ ኣስዒቡ፡ “ካናዳ ብዝዀነ ይዅን መልክዕ፡ ፈጺማ ኣካል ኣመሪካ ኣይክትከውንን’ያ፡” ኢሉ።
ካናዳ መንፈቕ ሃገራዊ ምርጫ ክትገብር’ያ። ቅድሚኡ ግን ኣብ ዝቕጽል ሰሙናት ቅድሚ ካልእ ቅልጡፍ ምርጫ ንምግባር ትቀራረብ ኣላ። ዛጊት ተኻዪዱ ዘሎ ዳህሳስ መዕቀኒ ርእይቶታት ህዝቢ፡ ዓቃባውያን መጠናዊ ብልጫ ኣለዎም።
ወዲ 59 ካርኒ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ኣይጸንሐን። እንተዀነ በብእዋን ንማእከላይ ባንክ ካናዳን ባንክ እንግሊዝን ዝመርሐ’ዩ። ኣብዚ ንጃስቲን ትሩዶ ንምትካእ ዝተኻየደ ናይ ሰልፊ ምርጫ ብ85.9 ሚእታዊት ካብቲ ዝተዋህበ ድምጺ’ዩ ተዓዊቱ። ነዚ መዝነት ኣንጻሩ ዝተወዳደረት ኣቐዲማ ምስ ትሩዶ ሚኒስተር ፋይናንስ ነበርን ድሒራ ድማ ብገዛእ ፍቓዳ መዝነታ ዝገደፈትን ክሪስቲያ ፍሪላንድ’ያ።
ካርኒ ንምምሕዳር ትራምፕ ክገጥሞ ምዃኑ’ዩ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ ደጋጊሙ ዝጠቅስ ነይሩ። እንተዀነ ካብ ኣመሪካ ጥራይ ዘይኰነስ ቍጠባ ካናዳ’ውን ኣዝዩ ተዳኺሙ ስለ ዝጸንሐ፡ ዝጽበዮ ብድሆ ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ። ኣቦ-መንበር ሊበራላዊ ሰልፊ ኰይኑ ድሕሪ ምምራጹ፡ ካብ ካልኦት መሓዙት ካናዳ’ውን ኣተባባዒ ግብረ-መልሲ ረኺቡ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመር ክልተኣን ሃገራት ዘለወን ቀዳምነታት ስለ ዝመሳሰል ሓቢሮም ክሰርሑ ዘለዎ ድሌት ገሊጹ ኣሎ።
ቻይና ምስ ካናዳ ጽቡቕ ምሕዝነት ኣይጸንሓን። እንተዀነ ንተመራጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ካርኒ እንቋዕ ኣብቅዓካ ድሕሪ ምባል፡ ቻይና’ውን ምስ ካናዳ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ድሌት ኣካፊላ ኣላ።
ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዘይጸንሐ ካርኒ፡ ክልተ እዋን ንሓያል ፋይናንሳዊ ቅልውላው ክልተ ሃገራት ከም ዝመርሐ ግን መዛግብቱ የመልክቱ። ኣብ ቍጠባዊ ቅልውላው 2008-09 ካናዳ ከምኡ’ውን ብሪጣንያ ኣብ ኤውሮጳ ዝወጽኣትሉ 2016 ንሃገራዊ ባንክታት ካናዳን ብሪጣንያን ይመርሕ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ እዋን ቅልቅላው ከሰጋግር ዝኽእል ምዃኑ ብዙሓት ይኣምኑ።
ተቐባልነት ሊበራላዊ ሰልፊ ካናዳ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃስቲን ትሩዶ ኣንቆልቁሉ’ዩ ጸኒሑ። እንተዀነ ምስ ምምጻእ ዶናልድ ትራምፕ ኣብታ ሃገር ዝተሓደሰ ሃገራዊ ስምዒታት ይቕስቀስ ስለ ዘሎ፡ እቲ ኣጋጣሚ ነቲ ሰልፊ ዝጥዕም ኩነት ፈጢሩ ኣሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ንካናዳ መበል 51 ክፍለ-ሃገር ኣመሪካ ንምግባራ ዘለዎ ድሌት ድሕሪ ምግላጹ፡ ካናዳውያን ኣብ ኣመሪካ ዘለዎ ኣረኣእያ ክልወጥ ዝጀመረ ይመስል። ብዙሓት ካናዳውያን ናይ ኣመሪካ መገሻታቶም ክዝርዙ እንከለዉ፡ ኣብ ስፖርታዊ ግጥማት ዝርአ ርሱን ሃገራዊ ስምዒታት ነቲ ንፖሊስታት ምምሕዳር ትራምፕ ክገጥሞም ክስዕሮን ምዃኑ ደጋጊሙ ዝጉስግስ ዘሎ ካርኒ ጽቡቕ ዕድል ዝፈጠረ ይመስል።
መዝነቱ ዘረክብ ዘሎ ጃስቲን ትሩዶ’ውን ካናዳውያንን ኣባላት ሊበራላዊ ሰልፊን ኣብ ፖለቲካ ሃገሮም ብንጥፈት ክዋስኡ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። “እዚ ንካናዳውያን ከም ሃገር መን ምዃንና እነመስክረሉ እዋን’ዩ። ውሁብ ዝብሃል ነገር የሎን። ደሞክራሲ ከም ትሑዝ ክንወስዶ ኣይንኽእልን፣ ንናጽነት ከም ውህብ ኣይንወስዶን። ብቐንዱ’ውን ንካናዳ ከም ውህብቲ ጌርና ክንሓስባ የብልናን፡” ኢሉ።