መጻኢ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ንሓያሎ ግንባራት ይዳሎ
Your browser doesn’t support HTML5
ሊበራላዊ ሰልፊ ካናዳ፡ ማርክ ካርኒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ንምዃን ብዓብላሊ ድምጺ ብሰንበት ተመሪጹ። ብውሽጣዊ ቍጠባዊ ማሕልኾታትን ከምኡ’ውን ካብ ቀንዲ ንግዳዊት መሻርኽታ ጎረቤት ሃገር ኣመሪካ ከቢድ ቀረጽ ዝገጥማ ዘሎ ሃገር ክመርሕ ተመሪጹ ዘሎ ካርኒ፡ ንዅሉ ክገጥሞ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።