ባይቶ ካሊፎርኒያ ንዓቃባዊ ፖሊሲ ዋሺንግተን ዝከላኸል ባጀት የሕሊፉ

ናብ ኣመሪካ ክኣትው ዝፍትኑ ስደተኛታት

ብጸገማዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝተዓበለለ ባይቶ ክፍለ-ሃገር ካሊፎርኒያ፡ ኣብቲ ግዝኣቱ ንዘሎ ገስጋሲ ፖሊሲታት ንምቕጻልን ብምምሕዳር ትራምፕ ክሰጎም ንዝተቐረቡ ወገናት መከላኻሊ ዝኸውንን ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ባጀት ሰኑይ የሕሊፉ።

ካብቲ 50 ሚልዮን ባጀት እቲ 25 ሚልዮን ንናይቲ ክፍለ-ሃገር ክፍሊ ሕጊ ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ዝግበር ሕጋዊ መሰርሓት ክውዕል ዝተመደበ’ዩ። እቲ ዝተረፈር 25 ሚልዮን ድማ ኣብ ምጥባቕ ምስጓግ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንዝነጥፋ ትካላት ክውዕል ምዃኑ ኣሶሽይትድ ፕረስ ይሕብር።

ብመሰረት ትካል መጽናዕቲ ፒው፡ ኣብ 2022 ኣብ ክፍለ-ሃገር ካሊፎርኒያ ጥራይ ኣስታት 1.8 ሚልዮን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ካልእ ሃገር ይነብሩ።

ካብ ኣባላት ሰልፊ ርፓብሊካውያን ዝዀኑ ኣብቲ ውሳነ ዝተሳተፉ ኣባላት ባይቶ፡ “እታ ካብ ባርዕ ጫካ ገና መሊኣ ዘይተናገፈት ካሊፎርኒያ ኣብ ክንዲ ጉዳይ መነባብሮ ህዝቢ እትገብር ናብ ከምዚ ዝመስል ፖለቲካዊ ጸወታ ምእታው ጓል መንገዲ’ዩ፡” ክብሉ ገሊጾሞ።

ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ክፍለ-ሃገር ካሊፎርኒያ ጥራይ ንፕረዚደንት ትራምፕ 120 እዋን ከሲሳ። ኣብ እዋኑ እታ ክፍለ-ሃገር ንሕጋዊ መስርሓት ጥራይ ኣስታት 42 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ገይራ ነይራ።