ባይቶ ካሊፎርንያ ንኤርትራውያን ማሕበረሰብ ኣፍልጦ ሂቡ

ባይቶ ክፍለ-ግዝኣት ካሊፎርንያ ብኣባል ባይቶ ማይክል ኣለን ንዝቐረበሉ ንድፈ-ውሳነ ድሕሪ ምክታዕ፡ ዝሓለፈ ነሓሰ 8ተ 2011 ኣሕሊፍዎ`ሎ።

“ኤርትራውያን ነበርቲ ካሊፎርንያ፡ ነቲ ዝበለጸ መንፈስ ኣመሪካ ወኪሎም ንዝበርከትዎ ኣድማዒ ስራሕ ኣፍልጦ ንህብ” ይብል ድምዳሚ መግለጺ`ቲ ባይቶ።

ኣባላት ኮሚኒቲ ኤርትራውያን ግዝኣት ካሊፎርንያ፡ መንእሰይ ብርሃና ኣሚነን ኣቶ ኣልኣዛር ኣብራሃምን፡ ኣጋይሽ መደብ ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ ኾይኖም ኣለዉ፡ ምስ ተወልደ ወልደገብሬል ዝገበርዎ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡