ኣብ ካሊፎንያ 7.0 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ

ትማሊ ሓሙስ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ማያት ካሊፎርንያ 7.0 ዲግሪ ዓቐን ዘለዎ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ። ብሰንኩ ድማ 5.3 ሚልየን ዝኾኑ ሰባት ብማዕበል ባሕሪ ከይውሓጡ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ ኔሩ።

እቲ ብሸነኽ ሰሜናዊ ጫፍ ካሊፎርንያ ኣብ ዝርከብ "ከባቢ ምንቅጥቃጥ መሬት" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል ሰላማዊ ውቅያኖስ ዘጋጠመ ነውጺ፡ ንደቡብ ክሳብ ሳንፍራንሲስኮ ብሰሜን ድማ ክሳብ ግዝኣት ኦሪገን ከምዝተሰሞዐ ሓበሬታ ዳህሳስ ጅኦሎጂ ኣመሪካ Yህብር።

ድሕሪ እቲ ነውጺ ዘስዓቦ ማዕበል ባሕሪ፡ ነቲ ሱናሚ ዝብሃል ኣብ ባሕሪ ምስንጣቕ ምስ ኣጋጠመ ዝስዕብ ማዕበል ክመጽእ ይኽእል`ዩ ብዝብል ስግኣት፡ ኣብቲ ጥቓ ገምገም ዝነብሩ ሰባት ናብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ወይ ናብ ውሽጢ መሬት ክእለዩ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኔሩ።

እንተኾነ ብዘይካ ትሑት ገልጠምጠም ዝወረደ ጉድኣት ኣይነበረን። እቲ መጠንቀቕታ ሱናሚ`ውን ተላዒሉ`ሎ።