ኣልቡርሃን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ ተራኺቡ፡ ተዘራሪቡ

  • ዜና ቪኦኤ

ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ኣስመራ

ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ሎሚ ሰሉስ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ናብ ኣስመራ ብምጕዓዝ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ፡ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ክዝትዩ ምዃኖም መንግስታዊ ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ምስቲ ወታሃደራዊ መራሒ፡ ሚኒስተር ዜናን ባህሊን ከምኡ’ውን ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት ሱዳን ከም ዝርከቡዎም ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣብ ዘካፍሎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣሎ። ሚኒስተር የማነ ኣብ መግለጺኡ፡ ዝርዝር ናይቲ መዘራረቢ ዛዕባታት ከየስፈረ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ኣመልኪቶም ክዝትዩ ምዃኖም ሓቢሩ ኣሎ።

ኣልቡርሃን ድሕሪ'ቲ ርክብ ኣማስያኡ ናብ ሱዳን ምምላሱ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ሱዳን ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ኣትሒዛ ብውግእ ሕድሕድ እትሕመስ ዘላ ኰይና፡ ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 25 ሚልዮን ህዝቢ ተመዛቢሉ፡ ልዕሊ 61-ሽሕ ድማ ብቐጥታን ተዘወዋሪን ምኽንያት ናይቲ ኲናት ከም ዝሞቱ ይግመት።