ዋሽንግተን —
ንዙር ፈረንሳ ቅድሚ ምውድዳሩ፡ ናይ መጨረሽታ ውድድሩ ትማሊ ሰንበት ኣብ ብራስለስ ዘካየደ ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኢንተርማሸ ቢንያም ግርማይ፡ ካልኣይ ወጺኡ። ኣብቲ 218 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ ውድድር፡ ኖርወጃዊ ጆናስ ኣብርሃምሰን ንመራሒት ጉጅለ ፈልዩ ንዛዛሚ ሕንጻጽ በይኑ ክዕወተሉ እንከሎ፡ እታ እክብቲ ጉጅለ ኣብ ዝገበረቶ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ድማ ቢንያም ግርማይ መሪሑ፡ ካልኣይ ወጺኡ። ሳልሳይ ካደን ግሮቭስ’ዩ ወጺኡ።
በዚ መሰረት ኣብ ዝሓለፉ ቢንያም ዝተሳተፈሎም ሰለስተ ዓበይቲ ውድድራት፡ ኣብ ኵላተን ኣብ መድረኽ ብምድያብ ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊቡ ኣሎ። ንሳተን ድማ ናይ ጀርመን ሩንድ ኡም ኮልን፣ ናይ በልጂዩም ሰርክዩት ፍራንኮ-በልጅ፡ ከምኡ’ውን ናይ ትማሊ ሰንበት ብራስለስ ክላሲክ’የን።
ቢንያም ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘካየዶ ውድድራት ሕጉስ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንኽልተ ሰሙን ዕረፍቲን ተወሳኺ ልምምድ ንዙር ፈረንሳን ንኤርትራ የምርሕ ኣሎ።