ኣብ ብሩሰልስ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ንዴሞክራሲ ዘፅብብ'ዩ ይብል ኣቶ መስፍን ፍትዊ

ሸበራዊ መጥቃዕቲ ብሩሰልስ

ነቲ ን 30 ሰባት ዝቀተለን ኣስታት 130 ካልኦት ዘቁሰለን ሸበራዊ መጥቃዕቲ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ሶርያን ዒራቅን (ዳዕሽ) ሓላፍነት ተቀቢሉ’ሎ።

እቶም ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ስፍራታት ዝተፈፀሙ መጥቃታት ዘጋጠሙ፣ ቀንዲ ኣዋዳዲ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ፓሪስ ሳላሕ ዓብደስላም ኣብ ብሩሰልስ ብፖሊስ ድሕሪ ምትሓዙ’ዩ።

ኣብ’ታ ከተማ ንዓመታት ዝተቀመጡ ኣቶ መስፍን ፍትዊ ‘እቲ ሸበራዊ መጥቃዕቲ፣ ንየማናዊያን ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣውሮጳ ዘስፍሕን ንዴሞክራሲ ዘፅብብን’ዩ’ ኢሎም ይትንትንዎ።

ምሉእ ትሕዝቶ'ቲ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ቃለ ምልልስ ምስ ኣቶ መስፍን ፍትዊ