ዋሽንግተን —
ኣብ ብሪጣንያ ትማሊ ሓሙስ 4 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ እቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ተቃዋማይ ፓርቲ ኮይኑ ዝጸንሐ ፓርቲ ሌበር ብብዝሒ ድምጺ ተዓዊቱ። እንተኾነ፣ ንዝዛሕተለ ቁጠባ ከበራብርን፣ ሞራሎም ንዝተሰበሩ እንግሊዛዊያን ከላዕልን ከቢድ ጾር ተረኪቡ ኣሎ።
ነቲ ዓወት ስዒቡ፣ መራሒ ሌበር ኬይር ስታርመር፣ ፓርቲ ሌበር ኣብ ታሪኹ አጋጥሙዎ ብዘይፈልጥ ደረጃ ድሕሪ ምስዓሩ፣ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ሎሚ ዓርቢ ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ኮይኖም ኣለው።
ሓድሽ ቀ/ሚ ኣብ ዝሃብዎ መደረ "ከምዚ ዝዓይነቱ ፍሉይ ስልጣን ምስ ከቢድ ሓላፍነት እዩ ዝዋሃብ፣ ነዚ መዋእል’ዚ ዝምጥን ኣገላልጻ፣ እቲ ዝላዓለ ብድሆና፣ እምነት ህዝቢ ምዕቃብ እዩ" ከምዝበሉ ትካል ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ዘዳለዎ ዜና ጠቂሱ።
ቀ/ሚ ኮይኖም ዘገልገሉ ሪሽ ሱነክ፣ ስዕረቶም ተቀቢሎም ኣለው።