ቀ/ሚኒስትር ብሪጣንያ ዝጸውዕኦ ምርጫ ተጀሚሩ

  • ዜና ቪኦኤ

ቀዳመይቲ ሚኒስትር ብሪጣንያ ቴሪሳ ሜይ

ቀዳመይቲ ሚኒስትር ብሪጣንያ ቴሪሳ ሜይ ክካየድ ኣብ ዝወሰነኦ ምርጫ ሎሚ ሓሙስ ኣብ መላእ’ታ ሃገር ክኻየድ ውዒሉ’ሎ።

ቀዳመይቲ ሚኒስትር ቴሪሳ ሜይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሪጳ ንምውፃእ ኣብ ዝቕፅላ መዓልታት ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ሓያል ደገፈን ናይ ምውሳን ዓቕመን ሒዘን ንምኻድ ብምሕላነን እየን ነዚ ምርጫ ክካየድ ፀዊዐንን።እንተኾነ መቐናቕንተን ‘ሌበር ፓርቲ’ ነቲ ዘሎ ክፍተት እናፀበቦ ብምምፅኡ ብገፊሕ ናይ ምስዓር ተስፍአን ይቕህም ኣሎ።

እቲ ወፍሪ ምረፁኒ እውን ብዝተፈፀመ ተኸታታሊ መጥቓዕትታት ግብረሽበራ ተዓብሊሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ቀ/ሚኒስትር ብሪጣንያ ኣብ ዝጸውዕኦ ምርጫ ተጀሚሩ