ሚ/ውሽጢ ሃገር ብሪጣንያ ኣብ ሩዋንዳ ምብጻሕ ተካይድ

  • ዜና ቪኦኤ

ሚንስትር ውሽጢ ሃገር ብሪጣንያ መንግስቲ'ታ ሃገር ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ንምስዳድ ዘውፅኦ ኣካታዒ መደብ ንምስላጥ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ሩዋንዳ በፂሓ።

ሚንስትር ውሽጢ ሃገር ሱዌይላ ብሬቨርማን ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ሩዋንዳ ቪንሰት ቢሩታ ድሕሪ ምዝርራባ ነቲ ውጥን ተኸላኺላቶ'ላ።

ብዓቃባዊያን ዝምራሕ መንግስቲ ብሪጣንያ ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ምእታዎ ደው ክብል ይደልዩ። ብሪጣንያ ነዚ ንምዕጋት ፍልሰተኛታት ናብ ሩዋንዳ ንምስጓግ ኣብ ዝሓለፍ ዓመት ስምምዕ ፈሪሞም።

ኣብ 2022 ልዕሊ 45,000 ሰባት ብጀልባ ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም።ኣብ 2020 ድማ 8,500 ስደተኛታት ኣትዮም ነይሮም።

ብመሰረት እቲ ዝወጸ መደብ ብጀልባ ኣቢሎም ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው ገለ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ተጓዒዞም ናይ ዕቑባ ሕቱኦም ኣብኡ ክሳለጠሎም እዩ። ናይ ዕቑባ ሕቱኦም ተቐባልነት ምስረኸቡ ግን ኣብ ክንዲ ናብ ብሪጣንያ ክምለሱ ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክፀንሑ እዮም። እቲ ናይ 170 ሚሊዮን ዶላር ውጥን ሕጋዊ ፈተናታት ስለዝጠሞ ዛጊት ናብ ሩዋንዳ ዝተልኣኸ ፍልሰተኛ የለን።

ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ሩዋንዳ ድኹም ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብምጥቓስ ሰባት ናብዘይደልዩዋ ሃገር 6,400 ኪሎ ሜትር ሪሒቖም ክባረሩ ኢሰብኣዊ እዩ ክብሉ ይከራኸሩ።