ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝዓበየ እገዳ ከምዘንበረት ኣፍሊጣ

ቀ/ሚ ብሪጣንያ ስታመር ኬር - ፋይል

ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝዓበየ እገዳ ከምዘንበረት ኣፍሊጣ። ብተወሳኺ ኣብ ውግእ ዩክሬን ዝተሳተፉ ውልቀሰባት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ወፍሪ ቅንጸላ ኢድ ዘለዎምን ኣብ መሬት ብሪጣንያ መጥቃዕቲ ነርቭ ጋዝ ዝፈጸሙን’ውን ኣብ’ቲ እገዳ ተሓቖፎም ኣለው።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ኣብ ልዕሊ 56 ውልቀሰባት እገዳ ከምዝተነብረን እዚ ድማ ንጻዕሪታት ውግእ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትንን ተግባራት ሩስያን ኣብ ዙርያ ዓለም ግብረ መልሲ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

እገዳ ካብ መንጎ ዝተነበረሎም ኣብ ቻይና ኮይኖም ንሰራዊት ሩስያ ኣጽዋራት ዘቀብሉ 10 ኩባንያታት ከምዝርኸብዎም እቲ ዜና ጠቂሱ ኣሎ። ሮይተርስ ካብ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ለንደን ግብረ መልሲ ንምርካብ ዘካየዶ ፈተነ ከምዘይሰለጠ ሓቢሩ'ሎ።