ብኣልፋ ናይ መንሽሮ ጡብ ሕሙማት ሓገዝ ወሃቢ ትካል ዝተኻየደ ጉዕዞ እግርን ውድድርን ጉያ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣልፋ ናይ መንሽሮ ጡብ ሕሙማት ሓገዝ ወሃቢ ትካል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ቨርጂንያን ሜሪላንድን ዝርኸቡ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያን ብምትእኽካብ ናይ ሓጺር ርሕቀት ናይ ጉያ ውድድርን ጉዕዞ እግሪ ብምኽያድን ገንዘብ የተአኻኽብ። ኣብዚ አጋጣሚ ዝተአኸበ ገንዘብ ድማ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርኸቡ ናይ መንሽሮ ጡብ ሕሙማት ኣገልግሎት ጥዕና ኽረኽቡ ነቲ ሕማም ንምሕኻም ንምኽልኻልን ዘገልግሉ መሳርሕታትን ናብተን ሃገራት ንምልኣኽ ይውዕል።